• English

መጠንቀቕታ: ካብ ናይ ቤተ ሰባት ምትእኽኻብ ግልጋሎት ዝሸጡ ሰባት ኣወግዱ Ethiopia

ናይ:ስዊድን:ናይ:ወፃኢ:ጉዳይ:ሚኒስተር:ብሓሶት:ናይ:ስዊድን:ስደተኛታት:ኤጀንሲ:ወይ:ናይ:ካልኦት:ሃገራት:

ኤምባሲታት:ተወከልቲ:መሲሎም:ዝኣተዉ:ሰባት:ክህልዉ:ከምዝኽእሉ:ተነጊርዎ:ነይሩ።

እዞም:ሰባት:እዚኦም:ንናይ:ኤምባሲ:ቆፀሮ:ኣቐዲምካ:ብገንዘብ:ምትሓዝ:ከምዝከኣል:ይዛረቡ።

በጃኹም:ናይ:ኤምባሲታትን:ናይ:ካውስል:ጀነራልን:ምስከፊሎም:ክግልገሉ:ዝደልዩ:ሰባት:ምንም:

ርክብ:ከምዘይብሉ:ክንዛረብ:ንፈቱ።ኩሎም:ናይ:ቤተሰብ:ምትእኽኻብ:ቃለመሕተት:ቆፀሮታት:

ብእቲኤምባሲ:ዝዳለዉን:ካብክፍሊት:ነፃን:እዮም።  

ናይ:ቤተሰብ:ምትእኽኻብ:ጉዳይ:ዝምልከቶ:እቲ:ኤምባሲ:ጥራሕ:እዩ።

በጃኹም:ብሓሶት:ናይ:ስዊድን:መንግስቲ:ዝውክሉ:ሰባት:ምህላዎም:ሓበሬታ:ተበፂሕኩም:ወይ:ብተወሳኺ:

ክፍሊት:ግልጋሎት:ክሸጠልኩም:ዝፍትን:ሰብ:ተጋጢምኩም:ምስ:እቲ:ኤምባሲ:ተራኸቡ::

 (ambassaden.addis-abeba@gov.se).

Last updated 12 Aug 2021, 9.59 AM